በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
ኵሎም መንእሰያትን ሕፃናትን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብሥርዓትን ብኣገባብን ከም ዝፈልጡን ከምዝርድኡን ምግባር።
ሕፃናት፡ ቈልዑ፡ መንእሰያት ኵሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብን ብጥበብን ብምስትውዓልን ከምዝዓብዩ ምግባር፡ (ሉቃ. 18 ፥16 መክ. 12፥1 ምሳ. 22፥6)።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሥርዓትን ትውፊትን ኣብ መንእሰያት ተሓልዩ ከይተለወጠ ከይተበረዘ ብቐጥታ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምትኅልላፍ።
መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እናተማህሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ፈሊጦም ብነገረ መለኮትን ብሃይማኖትን ከምኡውን ብናይ ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብስለት ኽረኽቡን ንወለዶም ከም ዝትክኡን ንናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ብኃላፍነት ንምርካብ ብቑዓት ንኺኾኑ ምግባርን።
መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብነትን ኣሰርን ኣቦታቶም ከም ዚስዕቡ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ብኣላይነት ኣቦታቶም ተሳተፍቲ ንኺኾኑ ምዅስኳስ።
መንእሰያት ፈጸምቲ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኪኾኑ ቃለ እግዚኣብሔር ተማሂሮም ንወለዶምን ካብኦም ንዝዓበዩን ኣኽበርቲ ንኺኾኑ፡ ብሓፈሻ ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ተሓኒፆም ንኺዓብዩን ጽቡቕ ኣርኣያን ኣፍረይቲ ዜጋታትን ንኺኮኑ ምኽኣል።
መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ መንፈሳውን ማኅበራውን ናብራኦም ንዝገጥሞም ዝኾነ ይኹን ነገር ብምኽሪ ኣቦታቶም ብመንፈሳውነት ንኸኅልፍዎን ነንሕድሕዶም ንኺረዳድኡን ክበረታትዑን ምኽኣል።
ሕፃናትን መንእሰያትን ናይታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያኖም ሃብትን ጸጋን ዓውድታት ሥነ ጥበባታን ታሪኻን ትውፊታን ብዝግባእ ንኽፈልጡን ኣበርክቶኦም ንኸዕዝዙን ምቹእ ጊዜን ኣገባብን እናኣዋደድካ ብትምህርቲ ምሥልጣን።